Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ምርጫ ዝዕዘቡ ሰብ ሞያ ንምልኣኽ ባህጊ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ- ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ቅድመ ሐዚ ተዓዘብቲ ናይ ምልኣኽ ትልሙ ከምዝሰረዘ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ሐዚ ድማ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ዝዕዘቡ ሰብ ሞያ ንምልኣኽ ባህጊ ከምዘለዎ ምፍላጡ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ዓለም ለኻዊ መራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ሃገራዊ ምርጫን ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ሃገራዊ ምርጫ ንምዕዛብ ሕቶ ዘቕረባ ትካላት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን እቲ ምርጫ ንምዕዛብ ዘኽእል ምድላወን ምዝዛመን ሓቢሮም።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት እውን፥ ኢትዮጵያ ብምኽኒያተያዊነትን ፍትሓውነትን ብሓባር ናይ ምጥቃም መሰል ኣኽቢራ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዘይጎደእ መገዲ ይፍፀም ከምዘሎ ድማ ተዛሪቦም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ዘድሊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ንኽከኣል ኢትዮጵያ ዘለዋ ድልየት ቅድም ክብል ንሱዳንን ግብፅን ብዕሊ ምግላፃ ገሊፆም።

ይኹን እንበር እተን ሃገራት ኣፍሪካዊ ፀገም ብኣፍሪካዊ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምድሃብ ዓለም ለኻዊ ትሕዝቶ ንክህልዎ ይገብራ ኣለዋ ኢሎም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓዘቶ መርህ ወፃኢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት ብመራሕቲ ከምኡ ውን ብብርኪ ሓባር ኮሚቴታት ዶብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘተ ከምዝተገበሩ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.