Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ናይ ምእታው ባህጊ ከምዘይብሉ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ናይ ምእታው ባህጊ ከምዘይብሉ ገሊፁ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጃኔዝ ሌናርቺች ኣብ ክሊ እዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ተፈፃሚ ንምግባር ነባራዊ ኩነታት ብምፅናዕ ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ዝግበረሉ ኣገባብ ኣረዲኦም።

ንፁሃን ዜጋታት ንዝኸፍአ ቅልውላው ተቓላዕቲ ንከይኾኑን ሰብኣዊ ደገፍ ብህፁፅ ተበፃሒ ንክኾንን መነግስቲ ዝጀመሮ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ እውን ኢሎም።

ኮሚሽነር ጃኔዝ ሌናርቺች ብግደአን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እዛ ሃገር ጣልቃ ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብሉ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ሓጋዚት እቲ ሕብረት ከመዝኾነት ሓቢረን።

ስለዝኾነ ኣብ ምንቅስቓስ ምኽባር ሕጊ ንንፁሃን ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ዝወሃበሉ መገዲ ንምምችቻው ብመንግስቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ንክቕፅል ምሕታተን ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.