Fana: At a Speed of Life!

ሕጊ ንምኽባርን ገበን ሕጊ ንምፍፃምን ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ 12 ሺሕን 37 ክሲታት ውሳነ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕጊ ንምኽባርን ገበን ሕጊ ንምፍፃምን ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ 12 ሺሕን 37 ክሲታት ውሳነ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝተውሃበሎም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፥ ኣብ ርብዒ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ዝተሳለጡ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ፣ ሕጊ ገበንን ኣብ ምፍፃምን ማዕቐፋት ሕጊን ብዝምለከት ዝተሰርሑ ተግባራት መግለፂ ሂቦም።

እቶም ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ምድላው ምዕራፍ ኣብ ምድላው በጀት ዓመትን ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን መዳርግቲ ኣካላትን ምይይጥ ከምዝገበረ ብምግላፅ ትኹረት ዝደልዩ ዘፈራት ዘሳልጡ ክፍሊታት ስራሕ ከምዝተጣየሹ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀሙ ገበናት ዝከታተል ዳይሬክቶሬት፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ክልላት ዝከታተልን ድጋፍ ዝህብን ሓዱሽ ክፍሊ ስራሕ፣ ከምኡ እውን ብፍሉይ ኣድህቦ ትምህርቲ ንቕሓት ሕጊ ዝህብ ዳይሬክቶሬት ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕጊ ንምኽባርን ገበን ሕጊ ንምፍፃምን ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ፤ 12 ሺሕን 239 መዛግብቲ ንውሳነ ዝቐረቡ እንትኾኑ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 12 ሺሕን 37 ክሲታት ውሳነ ዓቃቢ ሕጊ ተዋሂቡዎም ኢዩ።

ገበን ኢኮኖሚ ብዝምልከት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተሰሪቖም ዝነበሩ ልዕሊ ብር 412 ሚሊየን ዝግመት ገንዘብ ምምላስ ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም።

ማዕቐፍ ሕጊ ምስ ምዝማን ተተሓሒዙ ድማ ምድላው ሕጊ ንግዲ፣ ስርዓት ገበን ሕጊን ሕጊ ግልግል ዳይነትን ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ፥ ምስ ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተሀጠረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ዝበፅሐ ጉድኣት፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዝተዋደደ ስራሕቲ ምርመራ ብምስላጥ ብብርኪ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ 114 መዛግብቲ ልዕሊ 3 ሺሕ ተጠርጠርቲ ክሲ ከምዝተመስረተ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.