Fana: At a Speed of Life!

መልቀቒ ፈተና 12 ክፍል ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲታት ከምዝወሃብ ተገለፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መልቀቒ ፈተና 12 ክፍል ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲታት ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፥  ኣብ ከተማታ ሆሳእና፣ ወራቤን ወልቂጤን ዝርከባ ሞዴላት ካልኣይ ደረጃ ኣቢያተ ትምህርቲ ጎብኒዮም።

ኣብ እዋን ዑደቶም ምስ ተምሃሮን ማሕበረሰብ ትምህርቲን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍል ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲታት ከምዝወሃብ ገሊፆም።

ከም ገለፃ እቶም ሚኒስትር፥ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ብኦንላይን ምሃብ ክሳብዝጅመር ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ምሃብ ክቕፅል ኢዩ።

መልቀቒ ፈተና 12 ክፍል ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርስቲታት ንኽወሃብ ዝተወሰነ፤ ናይ ፈተና ምስራቕን ምጭብርባርን ንምትራፍ ተሓሲቡ ስለዝኾ ተምሃሮ ትምህርቲ ብስራሕን ፃዕሪን ዝርከብ ከምዝኾ ፈሊጦም ኣበርቲዖም ክመሃሩን ከፅንዑን ከምዝግባእ ምግንዛቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.