Fana: At a Speed of Life!

መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣ’ዘዋሂሪ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣሜሪካ ተቐቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ንመራሒ ኣልቓዒዳ ኣይማን ኣ’ዘዋሂሪ ከም ዝቐተለቶ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣረጋጊፆም።

እቲ መራሒ፥ ሲኣይኤ ብሰንበት ኣብ ካቡል ብዘካየዶ ስርሒት ኣንፃር ግብረ ሽበራ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ።

ኣ’ዘዋሂሪ፥ “ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ዜጋታት መጥቃዕትን ቅትለትን ክፍፅም ውዲት ፈፂሙ። ሐዚ ግን ፍትሒ ተረጋጊፁ፣ እዚ ኣሸባሪ ኸኣ ድሕሪ ሐዚ የለን” ክብሉ እዮም እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም።

ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ብኣሜሪካ ዝተቐትለ መራሒ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን ዝተክአ እንትኸውን፥ ክልቲኦም ነቲ ብ9/11 ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝሃንደሱ ምዃኖም ይንገር።

ብኣሜሪካ ካብ ዝድለዩ ቀንዲ ኣሸበርቲ እቲ ቐንዲ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እታ ድሮን፥ ኣብ ልዕሊ ኣ’ዘዋሂሪ ክልተ ሚሳይላት ክትድርቢ እንከላ ንሱ ኣብ ባልካኒ እቲ ዝነበረሉ ውሑስ ርሻን ከም ዝነበረ ሰብ መዚ ገሊፆም።

ካልኦት ኣባላት ስድራኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ’ኳ እንተነበሩ፥ ዝዀነ መጕዳእቲ ከምዘይወረዶምን ተሓቢሩ።

እቲ ንወዲ 71 ዓመት መራሒ ኣልቓዒዳ ንምቕታል ዝወፅአ መደብ፥ ኣዋርሕ ከም ዝገበረን ስጕምቲ ክውሰድ ፍቓድ ከም ዝሃበን ፕሬዚዳንት ባይደን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.