Fana: At a Speed of Life!

መራኸቢ ሬዲዮ ሓዊሱ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኸዘነ ሽጋራ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 11 ፍሉይ ሽሙ ከባቢ ቱሪስት ኮንዶሚኒየም ኣብ ገዛ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ክልተ መኽዚን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኸዘነ በዝሒ ዘለዎ ፍርያት ሽጋራን መራኸቢ ሬዲዮ ብሓይሊታት ፀፅታ ተታሒዙ።

ብጥቆማ ሕብረተሰብ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ 465 ካርቶን ብዝሒ ዘለዎ “ሻምላን”ን “ጎልደን” ሽጋራ፣ 5 ኩንታል ሽኮር፣ ኦባማ ናይ ፅዕነት መኪና ከምኡ እውን 1 መራኸቢ ሬድዮ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ፡፡

ከምዚ ዓይነት ሸጋራታት ምዝውዋር ይኹን ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው ከምዘይከኣል ኣብ በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን ኣፋውስን ኣዲስ ኣበባ ተቖፃፃሪ ጉዳያት ጥዕና ኣይተ ኣሸናፊ ደመቀ ተዛሪቦም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ምግቢን ኣፋውስን ክፍለ ከተማ የካ ወይዘሮ ብርሃን መንገሻ ብግደአን፥ ሽጋራ ብዙሕ ጉድኣት ዘለዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሕብረተሰብ ንዝሃቦ ሓበሬታ ምስጋና ምቕራበን ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክፍለ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.