Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ስርዓት ምዝማን ኣተሓሕዛ መረዳእታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ ስርዓት ምዝማን ኣተሓሕዛ መረዳእታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 23 መስከረም 2013 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ስነስርዓት መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 500 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለያ ዩንቨርስቲታት ኣብ ዝተረከብሉ መድረኽ ቪዲዮ ኮንፈረንስ ተሳሊጡ።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእተኦም ብምዝማንን መረዳእታ ብኣግባቡ ተበፃሒ ብግባርን ተምሳሌታዊ ስራሕ ንክሰርሑ ትፅቢት ይግበር ተባሂሉ።

ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምርን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎታትን ዝፍፀሙ ስራሕቲ ብዝምልከት ውሕሉል መረዳእታ ምሓዝ ከምኡውን በቢብርኩ ንዘሎ ኣካል ምትሕልላፍ ክልመድ ከምዝግበኦ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ውሱናት ዩንቨርስቲታት ቁፅሪ ተምሃሮ ምዝባዕ ከምዝረአ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ዘመናዊ ኣተሓሕዛ መረዳእታ ዘይምጥቃምን ንረብሓ መረዳእታ ዘድሊ ትኹረት ዘይምሃብን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሳይንሳዊን ዘመናዊን ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ንክጥቀሙ ዘኽእል መርሃ ግብሪ ዕላዊ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕበር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.