Fana: At a Speed of Life!

መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ንከይፍፀሙ ልዑል ክትትልን ቁፅፅርን ይገብር ኣለኹ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ከባቢታትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ንከይፍፀሙ ልዑል ክትትልን ቁፅፅርን ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምእዋጁ ስዒቡ መርማሪ ቦርድ ምጥያሹ ይዝከር።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ “እቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብፍላይ ምስ ድሕንነት ህዝቢ ዝተተሓሓዘ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ቦርድ ብሓፈሻ ዝፈፀሞም ተግባራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንህዝቢ ዕላዊ ዝገብር ከምዝኾነን ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ከባቢታትን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ንከይፍፀም ልዑል ክትትል ቁፅፅርን ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጠ ወሰን ስራሕ እቲ ቦርድ ክልል ትግራይ እኳ እንተኾነ፥ ግብረ ሓይሊ እቲ መርማሪ ቦርድ ካብቲ ክልል ወፃእ እውን ተመሳሰልቲ ዝኾኑ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ኢዜኣ ፀብፂቡ።

መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ 26 ጥቅምቲ ከምዝተጣየሸ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.