Fana: At a Speed of Life!

መበል ዓስራይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ቱሪዝም ኣብ ሰመራ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ዓስራይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ምርምርን መፅናዕትን ቱሪዝምኣብ ከተማ ሰመራ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ቱሪዝም ንፈጠራ ዕድል ስራሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

እቲ  ኮንፈረንስ  ኢንስቲትዮት መሰልጠኒ ቱሪዝም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቤት ፅሕፈት ቱሪዝምን ባህልን ዓፋር፣ ዩንቨርስቲ ሰመራን ብምትሕብባር እዩ ዘዳለዎ።

ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ ሃፍቲ ቱሪዝም እቲ ክልል ምፍላጥን ብምኽንያት ኲናትን ለበዳ ኮቪድ 19ን ፍሰት ጎብነይቲ ንምንቅቃሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን፣ኣመራርሓታት ኢንስቲቲዩት መሰልጠኒ ቱሪዝም ከምኡ’ውን ሓላፊ ቱሪዝምን ባህልን እቲ ክልልን ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ሰመራን ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.