Fana: At a Speed of Life!

መበል 1 ሽሕን 443 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ዕለተ ሰኑይ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሽሕን 443 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ዕለተ ሰኑይ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ከምዝበሎ፥ ወርሒ ሎሚ ምሸት ብዘይምርኣያ እቲ በዓል ዕለተ ሰኑይ ክኽበር ኢዩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኡስማን ኣደም፥ እቲ በዓል   ሰኑይ ከምዝኽበር ተረጋጊፁ ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ብዝተለመደ ብባህሊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ከመዝግባእ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።

ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓድነትን ምክእኣልን ከምኡውን ሃገራዊነት ብምጥንኻርን ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.