Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 መድረኽ ዘተ ኮሚሽነራት ቤት ህንፀት ክልልን ፌዴራልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 መድረኽ ዘተ ኮሚሽነራት ቤት ህንፀት ክልልን ፌዴራልን ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ “ ኣብያተ ህንፀት እዛ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ልዕልነት ሕጊን ዝኽበረለን ውፅኢታዊ ማእኸላት ህንፀት ክንገብረን ኢና” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኮሚሽነራትን እተን ኣብያተ ህንፀት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ክሊ ፀፅታ፣ ኣተሓሕዛ ተሃነፅትን ኣብዛ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታተን ብዝምልከት ዘተ ከምዝግበር ድማ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.