Fana: At a Speed of Life!

መበል 1443 ፆም ረመዳን ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1443 ፆም ረመዳን ፅባሕ ቀዳም 24 መጋቢት ክጅመር ኢዩ ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ፥ ወርሒ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ስለዝተረኣየት እቲ ፆም ፅባሕ ክጅምር ኢዩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ምኽሪ ዑስማን ኣደም፥ ፆም ረመዳን ፅባሕ ከምዝጅመር ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም ፆም እንተሕልፍ ብዝተለመደ ናይ ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ባህሉ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገንዚቡ።

ብፍላይ ብምኽንያት ኲናትን ድርቂን ልዑል ጉድኣት ዘዝበፅሖም ኢሉ እውን ዝተመዛበሉ ወገናት ምሕሳበ ዘድልየሉ እዋን ኢዩ ኢሉ።

ብኣቆፃፅራ ሂጅራ 9ይቲ ዝኾነት ወርሒ ረመዳን ብመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብፆምን ፀሎትን ዝሓልፉዋ ወርሒ ኢያ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.