Fana: At a Speed of Life!

መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ወዲ ሱልጣን ኣሊሚራህ ዝኾኑ መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ናይ መላእ ዓፋር ሱልጣን ዝነበሩ ሓዎም ሱልጣን ሃንፍሬ ኣሊሚራህ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ከምዝተሸሙ ይዝከር፡፡

መራሕቲ ሱልጣን ዓፋር ብህዝቢ ዓፋር ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ብባህላዊ ሜላታ ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎም ይንገር።

ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣብ ወፃኢ ሃገር ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ÷ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ሁመድ፣ ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣምባሳደር ሃሰን ኣብዱልቃድር፣ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር እስማኤል ኣሊሰሮን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.