Fana: At a Speed of Life!

መበል 39 መንፈሳዊ ሰበካ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 39 ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ሰበካ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ቤተክርስቲያን ኣብ ክሊ ምርግጋፅ ልምዓት፣ ምንጋስ ሰላምን ምርግጋዕን ክትሰርሕ ትፅቢት ይግበረላ ኢሎም።

ምእመናን እታ ቤተከርስቲያን ድማ፥ ኣረጋውያን ብምሕጋዝን ህፃናት ብምክንኻንን ዝተማልአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንክህቡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቱ ናይ ኩለን ኣህጉረ ስብከት ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብምድማፅ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሓዊሱ ብፁኣን ሊቃነ ዻዻሳት፣ ሓለፍቲ መምርሒ ስራሕ፣ ተወከልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ይሳተፉ ኣለዉ።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.