Fana: At a Speed of Life!

መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ካርቱም እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትካል ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)  ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ብምፅቕ ተዛዚሙ።

እቲ ቢት ምኽ ሚኒትራት÷ ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንኽጋገፅያለውን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተጓዞ ከይዲ ንኢዱ።

ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ዝተገበረ ከይዲ ሰላምን ብዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ዝነበሮ ግደ እውን ንኢዱ።

ዶክተር ወርቅነህ ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውፅኡዎ ሓበራዊ መግለፂ÷ ኢጋድ እናገበሮ ንዝርከብ ትካላዊ ምምሕያሽ ኣባል ሃገራት ዝከኣለን ግደ ንኽፃወታ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.