Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ብምዝዛም ናብ ልምዓት ንክምለስ እንገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና-ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ህዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምዝዛም ናብ ናይ ልምዓት ስርሑ ንክምለስ እንገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺርና ከምዝቕፅሉ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።

ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ከምዝበልዎ፥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ተግባር ክሕደት ነህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተዋሲቡን ተዋቀሊዱን ንዘበናት ዝነበረ ትግራዋይ ካብ ወገናቱ ንምንፃል ዝገበሮ ብምዃኑ ተቐባልነት ኣይብሉን እውን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ናብርኡ ዝሓሸ ለውጢ እንተይረኸበ በዝበኣሰ ጉጅለ ህወሓት ብዝሓቶ መዋጮ እንትማረር ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ንልምዓት ትግራይ መዋጮ እናተሓተተ ገንዘብ ይእከብ እኳ እንተነበረ፥ ዝተሰርሐ ልምዓትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ግን ኣብዚ እቶ ዝበሃል ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ደገፉ ንኢትዮጵያ እንበር ንጉጅለ ህወሓት ዘይምዃኑ ብምሕባር፥ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ዛዙሙ ናብ ልምዓት ንክምለስ እንገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።

መንግስቲ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ዝገብሮ ፃዕሪ ጎድኒ ንጎድኒ ንንፁሃን ሰብኣዊ ደገፍ ክገብር ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባላት ጉጅል እቲ ከሓዲ ጁንታ ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ንመንግስቲ ንክህቡ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.