Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘርአዮ ተበግሰ ዝነኣድ ኢዩ – ፍልይቲ ልእኽቲ ውሕመ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ህዝቢ ክልል ትግራይ እናቐረበ ዝርከብ ሰብብኣዊ ሓገዝ ፅቡቕ ዝበሃል ከምዝኾነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘርአዮ ተበግሶ ዝነኣድ ከምዝኾነን ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴክ ገሊፀን።

ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴክ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ስራሕቲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ፣ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕ ብዝኾኑ ምኽንያታት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ብዛዕባ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ህንፀት ሰላምን ተመያይቶም፡፡

ናብ ህዝቢ ክልል ትግራይ እናቐረበ ዝርከብ ሰብብኣዊ ሓገዝ ፅቡቕ ዝበሃል ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ፍልይቲ ልእኽቲ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘርአዮ ተበግሶ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ብዝኾኑ ፀገማት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምዝሰርሓ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ሰላመር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.