Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምርግጋእ ንኽፍጠር ንኹሎም ወገናት ፃውዒተ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠሩ ፍፃመታት ብቐረባ እናተኸታተለ ከምዝኾነ ዝሓበረ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ጥንኩር ሕውነታዊ ምትእስሳር ዝፍልፍል ምዃኑ ኣብቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ናይ ሲቪልን ወታደራዊን ኣካላት ዘካተተ ጥሙር መንግስቲ ምጥያሹ ብዕዉት ኩነታት ብምትዕራቕ ርኡጥ ግደ ከምዝተፃወተ ይፍለጥ።

በዚ ድማ ሕዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምርግጋእ ንኽፍጠር ንኹሎም ወገናት ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሱዳን ናብ ዴሞክራሲ ትገብሮ ስግግር ምዝዛሙን ዘበነ ስግግር ሕገ-መንግስታዊ ሰነድ ምኽባሩ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝድግፍ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ህዝቢ ሱዳን ኽኽበሩን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ከምዘይትድግፍን ገሊፃ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ሱዳን እዞም ማሕለኻታት ንምፍታሕ፣ ዝተፈጠረ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ መገዲታት ከምዝኽተሉ ዘለዎ እምነት ገሊፁ።

ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ከም ኩሉ እዋን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ድሌታት ህዝቢ ሱዳን ፀኒዑ ከምዝቕፅል እውን ኣብቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.