Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢስታንቡል ጎደና ኢስቲካል ብዝተፈፀመ ተገባር ግብረ ራዕዲ ዝበፅሐ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

በቲ መጥቃዕቲ ህይቶም ንዝሰኣኑ ፅንዓት ተመኒዩ፡፡

በቲ ዝተፈፀመ ተገባር ግብረ ራዕዲ ጉድኣት ኣካል ዘጋጠሞም ብቕልጡፍ ክሕሾም እውን ተመኒዩ፡፡

መንግስቲ ፌዴሪኢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ጎኒ መንግስቲን ህዝቢን ቱርኪ ጠጠው ከምዝብል ገሊፁ፡፡

ትማሊ ኣብ ኢስታንቡል ብዝተፈፀመ ተግባር ግብረ ራዕዲ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈን ጉድኣት ኣካል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከምዝበፅሐ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.