Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ዘሓለፉ ክልተ ዓመታት ብር 24 ቢሊየን ምወላ ምግባሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ወርሒ ጥሪ መጠነኛ ክለሳ ዋጋ ነዳዲ ምግባሩ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ስዒቡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቀረብ ፍርያት ዋጋ ነዳዲ ውስን ክለሳ ዋጋ ከምዝተገበረ ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ቁፅፅርን ክትትልን መፅናዕቲ ዋጋ ኣቕሑት ንግዲ ኣይተ ካሳሁን ሙላት ተዛሪቦም።

መንግስቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ የርኢ እምበር መንግስቲ ነቲ ወሰኽ ብምሽፋን ኣብ ዘሓለፉ ክልተ ዓመታት ብር 24 ነጥቢ 05 ቢሊየን ሸኽሚ ዋጋ ተሸኪሙ ምፅንሑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እውን እቲ ፍርያት ብር 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ወሰኽ ዋጋ ኣርኢዩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ መንግስቲ ኩሉ ወሰኽ ዋጋ ሸፊኑ እንድሕር ከይዱ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ስለዝኾነ መንግስቲ 75 ሚኢታዊ ንኽሽፍን፤ ዝተረፈ ድማ ብሕብረተሰብ ንኽሽፈን ተገይሩ ውስን መስተኻኸሊ ዋጋ ምግባሩ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.