Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)1 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ።

እቲ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ሓላፊ ጉዳያት ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣለምፀሃይ ጳውሎስን ብሓባር ብምዃን ኣሽከርከርቲ ሃገር ኣቋራፂ ኣውቶቢስን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላትን ንግልጋሎቶም ኣመስጊኖም።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስመዓ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ዘለዉ ኣካላት ስለ ግልጋሎቶም ምስጋና ይግበኦም ኢለን።

ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ኣሽከርከርቲ ብጥንቃቐ ብምሽክርካር ንወገኖም ከገልግሉ እውን ሓደራ ኢለን።

መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናፃ ግልጋሎት ትራንስፖርት ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.