Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝገብሮ ምቑራፅ ትኬት ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝገብሮ ምቑራፅ ትኬት ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ዝኾነ ይኹን በረራ ንምክያድ ዘድሊ ትኬት ብኢንተርኔት ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።

መበገሲ ምኽኒያት ድማ፥ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋፍሐ ዝመፅአ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብቐጥታ ትኬት ዝቑረፀሎም ዝነበሩ ኣብያተ ዕዮ ካብ 21 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ክዕፀዉ ኢዮም።

ዓማዊል፥ እቲ መገዲ ኣየር ዘዳለዎ “ሶፍትዌር” ሞባይል ኣብ ባንኪ ብምኻድ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.