Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣቪየሽን ሾው 2020 ኩዌት ይካፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት እናተሳለጠ ዝርከብ ኣቪየሽን ሾው 2020 ይካፈል ኣሎ።

እቲ መገዲ ኣየር ምስ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ኣብ ኩዌት ብምትሕብባር ኢዩ ኣብቲ ኣቪየሽን ሾው እናተሳተፈ ዝርከብ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኩዌት እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ ሾው፥ 37 ሃገራት፣ 200 ትካላትን ልዕሊ 70 ዝኾና ኣውሮፕላናት ንግዲን ጦርን ምርኢት ኣርካይደን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ምስቲ ኤምባሲ ብምትሕብባር ባህሊ፣ መስሕባት ቱሪዝም፣ ኣማራፂታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ባህላዊ ክዳውንቲን ቅርፃቕርፂታትን ከምኡ እውን ባህላዊ ስነ-ስርዓት ኣፈላልሓ ቡንን ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ኣፋሊጡ ኢዩ።

ኣብቲ ኣቪየሽን ሾው፥ ዓለም ለኸ መገዲታት ኣየር ሓዊሱ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣምባሳደራትን፣ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.