Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፀብፃብ ሲኤንኤን ናይ ሕሶት ፀብፃብ ኢዩ ክብል ተቓዊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋራት ኣጓዓዒዙ ዝብል ብሲኤንኤን ፀብፃብ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ከምዝኾነ ዝቃወም መግለፂ እቲ ትካል ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣባል ኣይኤቲኤንን ስታር ኣሊያንስን ብምዃን ንኣፍሪካን ዝተረፋ ሃገራት ዓለምን ዘተኣማምን ምቹው ኣገልግሎት ትራንስፖርት እናሃበ ዝፀንሐ ዓለም ለኸ መገዲ ኣየር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ንዘሓለፉ 75 ዓማውቲ ኣብ ፅቡቕን ሕማቕን እዋናት ኩሎም ብሄራዊ፣ ክልላዊን ዓለም ለኻዊን ተዛመድቲ ደምቢታት ኣቪዬሽን ብጥብቂ ብምኽባር ብኣገልግሎቱ ዝምስገንን ቀዳማይን ዓለም ለኸ ትካል ከመዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡

“መገዲ ኣየር ኣፅዋራትን ካልኦት ዘይተፈቐዱ ኣቑሑትን ኣጓዓዒዙ” ብዝብል ሲኤንኤን ዘጋወሖ ፀብፃብ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ መገዲ ኣየር፥ ኣብ ፀብፃቡ ዘካተቶም ኣቑሑት እቲ መገዲ ኣየር ኣይፈልጦምን ኢሉ ኣብ መግለፂኡ፡፡

እቶም ኣቑሑት ብብርኪ ኣይ ኤ ቲኤን ዘተፈተሸ እንትኾኑ፥ ከምኡ እውን ብምኽንያት ብሄሩ ዝተኣገደ ወይ እውን ዝተባረረ ሰራሕተኛ ከምዘየለን ካብ መዝገብ ሃፍቲ ሰብ ክረጋገፅ ከምዝኽእልን ብምሕባር እቲ ሚዲያ ውንጀልኡ ውድቂ ብምግባር እርማት ንኽገብር ኣተሓሳሲቡ፡፡

ፍልፍል፦መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.