Fana: At a Speed of Life!

ሙዋይ ኪባኪ ንኢትዮጵያ ሓቀኛ ፈታዊ ነይሮም – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ሙዋይ ኪባኪ ተረኺበን፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ሙዋይ ኪባኪ ንኢትዮጵያ ሓቀኛ ፈታዊ ከምዝነበሩ ብተግባር ዘረጋገፁ መራሒ ነይሮም ኢለን፡፡

ንብነት ድማ ኪባኪ ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ኢትዮጵያን ኬንያን ንልምዓት እቲ ዞባ ወሰንቲ ዝኾኑ ስምምዓት ንኽፍፀሙ ምግባረን ኣዘኻኺረን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ኢጋድ ብምዃን ኣብ ሞንጎ ሶማሊያን ሱዳንን ዝተገበሩ ስምምዓት ሰላም ብቆራፅነት እናደገፉ ከምዝነበሩ ገሊፀን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ንህዝቢ ኬንያ ከምኡ እውን ንፈተውቲን ስድራን ኪባኪ ምፅንዕናዕ ተመኒየን፡፡

ሳልሳይ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዝነበሩ ሙባይ ኪባኪ ኣብ 90 ዓመቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብዛዓለም ብሞት ተፈሊዮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.