Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ሚኒስቴር ሰላም መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም፡፡

ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ነበርቲ ዞባ ኣርሲ ወረዳ መርቲን ኣብቲ ወረዳ ተኸላ ፈልሲ እንተካይዱ፥ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግ ዶክተር ኣለሙ ስሜን ተሳቲፎም።

ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ 600 ንዝኾኑ ስድራ ተምሃሮ ዓቕመ ደካማታት ኣቑሑት መሳርሒ ትምህርቲን ን21 ሓረስቶት ድማ ናይ ማይ ቡምባን በቲ ሚኒስቴር ሓገዝ ተገይሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኤምባሲ እስራኤል ብምዃን ኣብ ቀፅሪ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም፥ ኢትዮጵያን እስራኤልን ነዊሕ እዋን ርክብ ታሪኽ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ገሊፆም፡፡

እስራኤላዊያን ከምኢትየጵያ ፈልሲ ብምትካል ልምዲ ዘለዎም ከመዝኾኑ ዝሓሩ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሓምለዋይ ኣሰር ብሓባር ብምዕራፎም ዘለዎም ምውዳድ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብፀጋየ ወንድወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.