Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ልዕሊ ብር 900 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ብዓይነት ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት 16፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ልዕሊ ብር 900 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ብዓይነት ኣበርኪቱ።

እቲ ሚኒስቴር፥ “ሃፍቲ ህዝቢ ንህዝቢ፤ ንወገን ዝበፅሕ ኢዩ” ዝብል መርህ ተኸቲሉ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓላፍነታት እናተዋፀአ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ሎሚ መዓልቲ 900 ሚሊየን 503 ሺሕን 155 ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ሓገዛት ፍርያት ምግቢን ክዳውንቲን ንኹለን ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ማግበር ገባሪ ሰናይ ሜቄዶኒያን ተዋሂቡ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣወሃህባ ሓገዝ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኣይተ ላቀ ኣያሌው፥ እቲ ትካል እቶት ናይ ምእካብን ኮንትሮባን ምክልኻልን ልኡኽትኡ ብግቡእ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ዘሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብር191 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኣታዊ ምእካቡ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ፀገማት ኩሉ ኢዱ ብምዝርጋሕ ብኮንትሮባንድ ዝተትሓ ኣቑሑት ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ብመሃብ ሃፍቲ ህዝቢ ንህዝቢ እናብፀሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዘሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብር 1 ነጥቢ 3 ብዓይነት ሓገዝ ምግባሩ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ጉምሩኽ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ብግደኦም፥ እተን ትካላት ኮንትሮባንድ ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር ንጉድኣት ዝተቓልዑ ወገናት እናሃገዙ ምፅነሖም ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.