Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኦስትሪያ መዘነኦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኦስትሪያኣሌክሳንደር ሻለንበርግ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ዶብ ኢትዮ ሱዳንን ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ መንግስቲ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተወ ገሊፆም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ብናይ ባዕላ ወፃኢ እናሃነፀቶ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ምስቲ ግድብ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመርኮዘ ኣካይዳ ከምዝተኸተለትን ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዘለዉ ኣፈላላያት ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል ሓሳብ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢልካ ንምፍታሕ እናፈተነት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኦስትሪያ ኣሌክሳንደር ሻለንበርግ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብጥንቃቐን ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሙ ንኢዶም።

ብብስራት መለሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.