Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕናን ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዘፈር ጥዕና ብቑዓት ዝኾኑ ሰብ ሞያታት ንምቕራብን ቆፀርቲ ምስ ደለይቲ ስራሕ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዘራኽብ ዘበናዊ ሜላ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን፡፡

ፕሮጀክቱ በርካታ የጤና ባለሙያዎች ሥራ እየፈለጉ ባሉበት እና የሥራ ገበያው ፍላጎትና አቅርቦት ባለመጣጣማቸው የተለየ ትኩረት ተሰጥቶት የተጀመረ መሆኑንም ጠቅሰዋል

እቲ ፕሮጀክት ብዙሓት ሰብ ሞያታት ጥዕና ስራሕ እናኣለሹሉ ኣብ ዝርከቡሉ እዋንን ዕዳጋ ስራሕን ቀረብን ብዘይምጥዕዓሞም ዝተፈለየ ትኹት ተዋቡ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሀን።

እቶም ትካላት፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ሰብ ሞያታት ጥዕና ዕድል ስራሕ ንኽፍጠረሎም ምትዕርራይ፣ መናእሰይ ሰብ ሞያታት ጥዕና ናይ ባዕሎም ኣገልግሎት ጥዕና ኢንተርፕራይዝ ንኽምስርቱ ንምብርትታዕ፣ ኣብቲ ዓውዲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምስፍሕፋሕ ከምኡ እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘለዉ ዕድላት ንምፍታሽን ንምፍላጥን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.