Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ንኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ብሪታ ዋግነር ኣሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ንኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ብሪታ ዋግነር ኣሰናቢቶም።

ኣይተ ገዱ፥ እተን ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ፃንሒት ኩለመዳይ ርክብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ንምጥንኻር ንዝገበረኦ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ዓለም ብዝበፅሐ ሕልፈት ደቂ ሰባት ሓዘኖም ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣብትገብሮ ፃዕሪ ጀርመን ትገብሮ ዘላ ሓገዝ እውን ኣመስጊኖም።

ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባረን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ገዱ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ትገብሮ ዘላ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ክሳብ ሕዚ ዝገበረኦ ዘተ ኣመልኪቶም እውን ገለፃ ገይሮምለን ኢዮም።

ኣምባሳደር ብሪታ ዋግነር ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ፃንሒት ሕጉስቲ ምዃነንን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረለን ሓገዝን ኣመስጊነን።

ናብ ሃገርን ምስተመለሳ እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ግደአን ከምዝዋፅኣ ገሊፀን።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዘድሊዮ ብምዃኑ፥ ሃገረን ጀርመን እቲ ሕማም ንምቁፅፃር ምስ ኢትዮጵያ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.