Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዋሸንግተን ክዛተዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣብ ኣሜሪካ ዋሸንግተን ዲሲ ክዛተዩ ኢዮም።

ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ድማ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሓዊሱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሱዳንን ግብፂን፣ ሚኒስትራት ማይ፣ ሰብ ሞያታት ሕጊን ዓውዲ ማይን ሰለስቲአን ሃገራ ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ይርከቡ።

ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ኣብ ዝሳለጥ ኣኼባ፥ ኣብ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ዘተ ክምዝካየድ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶ/ር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ትማሊ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፥ ቅድሚ ሕዚ ብብርኪ ቴክኒክ ዝተገበሩ ድርድራት ብዝተረኸበ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ዝተዳለወ ምዃኑ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ብርኪ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ፣ እቲ ግድብ ክሕዞ ዝግበኦ መጠን ማይ፣ ኣመሓዳድራ ድርቂን እዋን ድርቂን ከምኡ እውን ምልውዋጥ ሓበሬታን ኣሰራርሓ ምትሕብባር ብብርኪ ቴክኒክ ዝተገሩ ድርድራት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኢዮም ተባሂሉ።

ሰለስቲአን ሃገራት ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂበን ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝገበረኦ ዘተ ብፅቡቕ ውፅኢት ምዝዛመን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሰብ ሞያታት ቴክኒክን ሕጊን ዝተሳተፉሉ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ሰነድ ስምምዕነት ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ ግድብ ህዳሰ ንምድላው፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ካርቱም ተራኺቦም ኢዮም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.