Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን የሳልጥዎ ምስ ዘለዉ መድረኽ ጎድኒ ንጎድኒ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ሓቢሮም።

ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ፥ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዙራት ናይ ዝገበርኡ ድርድር ውፅኢት ዝግምገመሉ ኢዩ።

ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ሰለስቲኣዊ መድረኽ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር።

እቲ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝተሳለጠ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣድሂባ ግብፂ ሒዛቶ ዝቐረበት ሓዱሽ ሓሳብ፥ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ክመልእ ዝብል ዝነበረ ስምምዕ ብቅዋም “ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ክመልእ ኣለዎ” ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ብምቕራባ ኢዩ እቲ ድርድር ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.