Fana: At a Speed of Life!

ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ኮትዲቯር ሃሚድ ባካዮኮ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ሃገረ ኮትዲቯር ሃሚድ ባካዮኮ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም።

እቶም ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ዝኾነ ዓይነት ምልክት እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኣዮም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብዝተገበረሎም ምርመራ ላቦራቶራ ግን ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ፅሒፎም።

ዜጋታት ቫይረስ ኮሮና ዝመሓላለፉሎም መገዲታት ክፈልጡን ናብ ከሊእ ሰብ ንዘይምትሕልላፍ ክጥንቀቑን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ሃሚድ ባካዮኮ ቫይረስኮሮና ከምዝሓዞም ካብ ዝተፈለጡላ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መወሸቢ ክፀንሑ ተገይሩ’ሎ ተባሂሉ።

ኮትዲቯር እቲ ቫይረስ ካብ ዘጋጠመን 52 ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ እንትትከውን፥ ክሳብ ሐዚ 261 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ብምርመራ ላቦራቶሪ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪካ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 10 ሺሕን 75 ሰባት ብኮቪድ-19 መልካፎም ተረጋገፁ ኣሎ።

487 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኢዮም ክብል ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.