Fana: At a Speed of Life!

ሚዲያታት ሃገርና ተወዳዳራይነቶም ዘዕብዩ ናይወፃኢ ተሞክሮ ንኽረኽቡ ከምዝሰርሕ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚዲያታት ሃገርና ተወዳዳራይነቶም ዘዕብዩ ናይወፃኢ ተሞክሮ ንኽረኽቡ ከምዝሰርሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ፈይሰል ኣልዩ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር እዚ ዝበሉ ኣመራርሓታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ኳታር ዶሃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዓዘቡሉ እዋን ኢዩ፡፡

ሚዲያ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምፍላጥን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምሕጋዝን ወሳኒ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣምባሰደር ፈይሰል÷ ብመንፅር እዚ ፋና ግቡኡ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን መስሕባት ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ርኡይ ተራ ከምዘለዎ እውን ኢሎም፡፡

ፈተውቲ ሃገራት ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ ንኽርደኣን ኩለመዳይ ሓገዝ ንኽብራን ፋና ዝተፃወቶ ዝርከብ ግደ ንኢዶም።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም÷ ፋና ፅቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥ ፍሉይ ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣብቲ እዋን ዑደት ኣብሪሆም፡፡

ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ብዘቐደመ መልክዑ ዝስርሑ ሓበሬታታት ተበፃሕቲ ኣብ ምግባር ዓብዩ ግደ ከምዘለዎ እውን ገሊም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.