Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብ82 ሚሊየን ብር ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ጎንፂ ተላዒሉዎም ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት እግሪ ንምትካል 82 ሚሊየን ብር ሰሊዑ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ፣ ፍሉያት ወረዳታት ደራሼን ኣሌን ሓዊሱ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ዝርከባ ሓሙሽተ ወረዳታት በቲ ስራሕቲ እግሪ ምትካል ተረባሕቲ ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

ንሓደ ዓመት ኣብ ዝፀንሕ በጀት እቲ ሮጀክት፥ ንዝተማዛበሉ ወገናት መህነፂ ገዛ፣ ሓገዝ መመሓየሺ ኩነታት ናብራ፣ ቀረብ ማይን ፅገና ናውቲን ከምኡ እውን ሓጋዝ ስነ ኣእምሮ እናተተግበሩ ምፅነሖም ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብፍላይ ንዳቂ ኣንስትዮ፣ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ቅድሚት ዝህብ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ምስ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ቅድም ክብል ብ24 ሚሊየን ብር 280 ኣባይቲ ሃኒፁ ንተረባሕቲ ከምዘረከበ ይዝከር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.