Fana: At a Speed of Life!

ማረት ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር ስራሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ወጊና

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 450 ናቑጣታት ማይን ሰለስተ ዝርገሐ መስመር ማይን ብምውጋን ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ከም ዝገበረት ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣፍሊጣ።

ኣብ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ተጠባባቒ ዳሬይክተር ዝርግሐ ገፀር መስተ ማይ ኣይተ የማነ በላይ ኣብታ ትካል ዘሎ ስራሕቲ ማይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከም ዝበልዎ፥ ማረት ተበፃሕነት መስተ ማይ ኣብ ኩለን ገፀር ወረዳታት ትግራይ ንምርግጋፅ ዓሊማ ት^ሰርሕ ኣላ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ራሕቒ 25 ሌትሮ ማይ ክረክብ ብምግባር ተደራራቢ ፃዕቒ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ምቕናስ፣ ጥዕንኡ ዝሓለወ መፍረያይ ዜጋ ምፍጣርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሕፅረት ማይን ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ካልኦት ፀገማትን ምፍታሕን ዝብሉ ዕላማታት ዘለዎ ኢዩ ኢሎም።

ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ከም ኩነታቱ ብፀሓይ ወይ ድማ ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ግልጋሎት እንትህባ ኣብ ኢድ ዃዕትን ማእኸለዎት ጎዳጉድን ድማ ብኢድ ዝሕቆን (ሃንድ ፓምፕ) ቴክኖሎጂ ዝጥቀማ ምዃነን ዝገለፁ እቶም ተጠባባቒ ዳሬይክተር፥ እዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ዝተመረፀ ድማ ብሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክፅገን ዝኽእል ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

እተን ዝተኹዓታ ጎዳጉዲ በቢ እዋኑ ዝሰርሓ ዘለዋ ምዃነን ንምቁፅፃር ዘኽእል “ሴንሰር” ዝበሃል ቴክኖሎጂ ተገጢሙለን እዩ እውን ኢሎም።

እዚ ድማ ነተን ጎዳጉዲ ንምኹዓት ዝሓገዙ ገበርቲ ሰናይ ንክከታተልወን ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ የማነ፥ ድሕሪ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ 10 ሽሕን 500 ናቑጣታት ማይ ተሃኒፀን።

ብፍላይ እተን ልዕሊ 8 ሽሕ ናቑጣታት ማይ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ተሰሪሐን ኣብ ግልጋሎት ብምዉዓለን ልዕሊ 2 ሚልየን ህዝቢ ተጠቃሚ ከምዝኾነ ኣይተ የማነ ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.