Fana: At a Speed of Life!

ምህዞ ዝተሓወሶ ስራሕቲ ብምስራሕ ኮቪድ 19 ካብ ዘሰዕቦ ጉድኣት ምድሓን ከምዝከኣል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ምህዞ ኣብ እዋን ምንጋዕ” ብዝብል ኣርእስቲ “ዌቢናር ኣዲስ ወግ” መድረኽ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ተሳሊጡ።

ምህዞ ዝተሓወሶ ስራሕቲ ብምስራሕ ኮቪድ 19 ካብ ዘሰዕቦ ጉድኣት ምድሓንን ንቐፃሊ ድልየትናን ፈተናናን መፍትሒ ምምፃእን ከምዝከኣል ዘመላኸተ መድረኽ ልዝብ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋን ካልኦት ካብ ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስተር ዝመፅኡ ሰብ ሞያታትን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ቅድመ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፈተናታት እንተጋጥሙ ናይ ቀደም ኣቦታት ምህዞታት እናተጠቐሙ ሓሊፈምዎ ኢዮም ዝበሉ ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ ሐዚ እውን ነዚ ተጠቒምካ ነቲ ዘጋጠመ ፈተና ምሕላፍ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

መራሒ እቲ ዘተ ዶክተር ኣብረሃም በላይ ብግደኦም፥ ኣብዚ እዋን ምህዞታት ኣብ ረብሓ ምውዓል ግድን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካልኦት ተሳተፍቲ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮቪድ 19 ካብ ዘስዕቦ ጉድኣት ንምምላጥ ምህዞ ዝተሓወሶ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.