Fana: At a Speed of Life!

ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተስፋ ኢትዮጵያውያን ዘማዕበለ ኢዩ – ነበርቲ ከተማ መቐለ

ላዲስ በባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ምዝዛም ቀዳማይ ዙረ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ግድብ ዝነበሮም ተስፋ ብዝበለፀ ዘማዕበለ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ርኢቶኦም ንግልጋሎት ዜና ኣገልግሎት ዝሃቡ እቶም ነበርቲ ቀዳማይ ምምላእ ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ምክትታሎም ገሊፆም።

ሕፁይ ተመራቒ ሳልሳይ ዲግሪ ጋዜጠኝነትን ኮሙዩኒኬሽንን ዝኾነ ገብሩ ካሕሳይ፥ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብሃንቀውታ ይፅበዮ ስለዝነበረ እቲ ዜና ምስምዑ ፍሉይ ሓጎስ ከምዝፈጠረሉ ተዛሪቡ።

ምዝዛም ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ብናይ ባዕልና ዓቕሚን ገንዘብን ጋህዲ ምግባር ከምንኽእል ብተግባር ዘርኢ ኢዩ እውን ኢሉ።

እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ናብ ረብሓ ክሳብ ዝቕየር መንግስቲን ህዝቢን ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉሉ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ምዝዛም ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ባዕሉ ዝኸኣለ ውፅኢት ኢዩ ዝበሉ ድማ ኣብቲ ግድብ ንዓመታት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ብምቕራብ ዝፍለጡ ሙሁር ጂኦግራፊ ብርሃኑ በላቸው ኢዮም።

ምዝዛም እቲ ምምላእ ማይ ዝበረታታዕ ውኢት ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃኑ፥ ኢትዮጵያውያን ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ምስራሕ ዝኽሉ ምዃኖም ዳግም ንማሕበረሰብ ዓለም ዘርአየ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር ኣወዳድባ ህዝቢ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይለኪሮስ ጠዓመ ብግደኦም፥ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ምዝዛሙ ህዝቢ ኣብ ህንፅት እቲ ግድብ ዘርአዮ ተሳትፎ ውፅኢት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ዝተርኣየ ተሳትፎ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምሕያል እቲ ቢሮ መተሓባበሪ ኣድላዪ ስራሕቲ ምልዓዓል ከምዘሳልጥ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.