Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ን15 መዓልቲታት ምሕታት ተሃነፅቲ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራል ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ጥዕና ተሃነፅቲ ንምሕላው ብዝብል ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ተሃነፅቲ ምስ ቤትሰቦም ከይራኸቡ ምኽልካሉ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኮሚሽነር እቲ ቤት ህንፀት ጀማል ኣብሶ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ኽልከላ ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ተግባራዊ ክግበር ኢዩ።

ተሃነፅቲ ዝኸፍአ ፀገም ጥዕና እንተዘየጋጢሙዎም ናብ ሆስፒታላት ብሪሪፈር ከምዘይለኣኹ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ከባቢ ኣቢያተ ህንፀት ክፍጠር ዝኽእል ፀገም ኣቐዲሙ ብምፍላይ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል እናሰርሐ ከምዝርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ናብ ኢትዮያ ከምዝኣተወ ዕላዊ ካብ ዝግበር ንደሓር፥ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም፥ እቶም ኣርባዕተ ሰባት ናይ ሕማም ስምዒት ከምዘይብሎምን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ሰባት ድማ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.