Fana: At a Speed of Life!

ምስ ህወሓት ብምውዳድ ልኡኽቶ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ሽዱሽተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ክልል ትግራይ ናብ ቤት ህንፀት ቂሊንጦ ክወርዱ ተኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ህወሓት ብምውዳድ ልኡኽቶ ኣብ ምፍፃም እናሃለዉ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ሽዱሽተ ተጠርጠርቲ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ክልል ትግራይ ናብ ቤት ህንፀት ቂሊንጦ ክወርዱ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

ወደ ቂሊንጦ ማረሚያቤት እንዲወርዱ የታዘዙት ሻምበል ጻዲቅ ኪሮስ፣ ዋና ሳጅን ብርሃኑ ፍጹም፣ ዋና ሳጅን አሰፋ መአዛ፣ ዋና ሳጅን ሞገስ ደሳለኝ፣ ሃይሌ አብርሃ እና ፈይሳ ተካ የተባሉ ተጠርጣሪዎች ናቸው።

እቶም ናብ ቤት ህንፀት ቂሊንጦ ክወርዱ ዝተኣዘዙ፥ ሻምበል ፃዲቅ ኪሮስ፣ ዋና ሳጅን ብርሃኑ ፍፁም፣ ዋና ሳጅን ኣሰፋ መዓዛ፣ ዋና ሳጅን ሞገስ ደሳለኝ፣ ሃይሌ ኣብርሃን ፈይሳ ተካን ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኢዮም።

መርማሪ ፖሊስ ኮሚሽን ፌዴራል ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ ገበን ፈተነ ምፍራስ ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ዝተጠርጠሩ ሰባት እናገበረሎም ዝነበረ ምርመራ ዛዚሙ መዝገብ ምርመረኦም ንዓቃቢ ሕጊ ከምዘረከበ ኣፍሊጡ።

ዓቃቢ ሕጊ ብግድኡ ኣብ ተጠርጠርቲ መዝገብ ቅድመ ምርመራ ከፊቱ መሰኻኽር ንምስማዕ ተወሳኺ እዋን ከምዘድልዮ ኣብሪሁ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ድማ ኣብ ዓማዊሎም ንነዊሕ እዋን ምርመራ እናተገበረ ምፅንሑ ብምፅራሕ ንዓቃቢ ሕጊ ተወሳኺ እዋን ክወሃብ ኣይግባእን ክብሉ ተቓዊሞም።

ካብዚ ብተወሳኺ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ንኽፍትሑ ዝሓተቱ እንትኾኑ፥  ብምኽንያት ፀገም ጥዕና ክጎዓዙ ዘይኽእሉ ተጠርጠርቲ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰሎም ክሕለወሎም ሓቲቶም።

ነቲ ጉዳይ ዝተመልከተ መጋባእያ፥ ተጠርጠርቲ ዝተጠርጠሩሉ ገበን ዋሕስ ዝኽልክል ከምዝኾነ ብምግፅ ሕቶ ዋሕሶም ነፂጉዎ።

ተጠርጠርቲ ኣብ ቤት ህንፀት ቅሊንጦ ንኽፀንሑ ብምእዛዝ ሕክምና ዘድሊዮም ተጠርጠርቲ ግልጋሎት ሕክምና ንኽረኽቡ ትእዛዝ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.