Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኣይሲስ ርክብ ከም ዘለዎም ዝግለፁ ዕጡቓት ንወደባዊት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ምቁፅፃሮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ጉጅለ ዳዕሽ ምትሕሓዝ ከምዘለዎም ዝግለፁ ዕጡቓት ሞዛምፒክ ንኣገዳሲት ወደብ ሞዛምቢክ ዝኾነት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ድሕሪ ንመዓልታት ዝቀፀለ ኵናት ከምዝተቆፃፀርዎ ተገሊፁ።

እታ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምኩክ እትርከብ ወደባዊት ከተማ እቶም ኣብኣ ዓሪዶም ዝነበሩ ወተሃደራት መንግስቲ በቶም  ዕጡቓት ተደፊኦም ብጀላቡ ሃዲሞም ከምዝወፅኡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ወደባዊት ከተማ ካብቲ ልዕሊ 60 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ማእኸል ባህርያዊ ጋዝ ዝኾነ ቦታ ቀረባ ምዃና’ዩ ዝግለፅ።

ኣብ ቀረባ ግዜ እቶም ዕጡቓት ዝበዝሐ ክፋል ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ብምቁፅፃሮም ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኖም ይርከቡ።

እቶም ምስ ኣይሲስ ርክብ ከም ዘለዎም ዝግለፁ ዕጡቓት ንወደባዊት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ምቁፅፃሮም ንዞባ ሰሜን እታ ሃገር ንምቁፅፃር ክሕግዞም ከምዝኽል’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

እቲ ወደብ ነቲ ብትካል ቶታል ዝርከብዎም ዓበይቲ ትካልት ዝዕደን ዘሎ ባህርያዊ ጋዝን ጭቃ ነዳድን ቀረባት ኣብ ምርጋፍ ክነጥፍ ዝፀንሐ እዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.