Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓ መሰረት ብምግባር ብምትሕብባር ንሰርሕ ኣለና-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓ መሰረት ብምግባር ብምትሕብባር ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

እቶም  ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

ኣብ ፀብፃቦም፥ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እወንታዊ ርክብ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ምስ ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓ መሰረት ብምግባር ብምትሕብባር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቲ ርክብ ናብ ጠንካራ ትሕብብር ኢኮኖሚ ንምሽግጋር ዝተፈላለዩ ተግባራት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

“ዝውውር ሰብን ንግዲን ከባቢ ዶብ ዘሳልጡ ህንፀታት መሰረተ ልምዓት፣ ኣጠቓቕማ ወደብ፣ ልውውጥ ንግዲ፣ ጉምሩክ፣ ኢሚግሬሽንን ወዘተ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሒ ዝገብሩ ማዕቐፋት ትሕብባር ንምድላው ትኹረት ሂብና ንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ወፃኢ ዝነብሩ ዳያስፖራታት ክልቲአን ሃገራት ዝተሓባበረ ድምፂ እወንታዊ ግደ ከምዝተጫወተ ገሊፆም።

ርክብ ኢትዮ-ኬኒያ ብዝምልከት ብፍላይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ልምዓት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬኒያን ዘሎ ታሪካዊ ርክብ ሐዚ እውን ኣብ እወንታዊ ኩነታት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዝተመረፁ ዓውዲታት ትኹረት ምትሕብባር ዘኽአል ፍሉይ ስምምዕነት ከምዝተገበሩ ኣፍሊጦም።

ፕሮጀከት ላሙ በዝምልከት ክልቲአን ሃገራት ተረባሒ ዝገብር ዓብዪ ኣካል መሰረተ ልምዓት ከመዝኾነ ኣይተ ደመቀ ዛሪቦም።

ልውውጥ ንግዲ ኣታዊን ወፃኢን ኣብ ሓደ ማእኸል ቁፅፅር ንምትእንጋድ ዘኽእል ኣሰራርሓ ብሓባር ተዘርጊሑ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሒ ዝገብር ረቂቕ ሰምምዕነት ንግዲ ዶብ ተዳዩ ንውሳነ ከምዝቐረበ ሓቢሮም።

ከልቲአን ሃገራት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.