Fana: At a Speed of Life!

ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ፓሪሴንት ዥርሜይ ኪሊያን ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ሪያል ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ፡፡

ወዲ 25 ዓመት ፈረንሳዊ ምባፔ÷ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ፒ ኤስ ጂ ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘይራኸባ እንተኾይነን ኣብቀረባ እዋን ንማድሪድ ክታም ኩንትራት ከምዘንብር ትፅቢት ይግበር፡፡

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ፅዋዕ ዓለም ክዕወት ዝኸኣለ ምባፔ÷ ኣብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪሴንት ዥርሜይ 244 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡፡

ምስ ፒ ኤስ ጂ ዘለዎ ኩንትራት ኣብ መፃኢ ወርሒ ሰነ ዝዛዘም እንትኸውን÷ ቅድም ክብል ካብ ጋንትኡ ከምዝለቅቕ ምሕባሩ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.