Fana: At a Speed of Life!

ምትሕብባር ቻይና – ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነትን ሓበራዊ ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ኢዩ – ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንው ፔንግ ተኪኦም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን ዝተሾሙ ችን ጋንግ ፈላማይ ዑደቶም ኣብ ኣፍሪካ እናገበሩ እንትኾኑ ኢትዮጵያን ፈላመይቲ ሃገር ዑደቶም ገይሮም።

ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እቶም ሚኒስትር÷ ምስ ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ከምኡ እውን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮንን ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ሓበራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ብፍላይ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ሃገሮምን ዘሎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ክቕፅል ዝኽእለሉ ዛዕባ ኣድሂቦም ዓሚቕ ልዝብ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ውሕስና ምግቢ ብምትሕግጋዝ ንምስራሕ ዝሕግዝ ስምምዕነት ፈፂሞም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሙሳ ፋኪ ማሃማትን ካብዚ ብተወሳኺ÷ ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ዝተሃነፀን ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀቱ ዝተዛዘመን ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት ኣብ ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ) መሪቖም ከፊቶም።

ቺን ጋንግ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኩለመዳይ ምትሕብባር ኣፍሪካን ቻይናን ኣብ ማዕርነት፣ ሕውነትን ሓበራዊ ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ኢዩ።

እቲ ማእኸል ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ናብ ስራ እንትኣቱ ብሕብረት ኣፍሪካ ከምዝመሓደርን እቲ ትካል ንዝተዓለመሉ ዕላማ ምውዓል ናይ ኣፍሪካውያን ባዕልቶም ጉዳይ ከምዝኾነ ከምኡ እውን ኣብዚ ጉዳይ መንግስቶም ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ከምዘይህልዎ ኣብሪሆም።

ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ንነበርተን ዝሐሸት ኣህጉር ጋህዲ ንምግባር እናገበረኦ ዝርከባ ፃዕሪ ቻይና ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታ መገዲን ባቡርን፣ ጥዕና ሕርሻ፣ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ሰላም፣ ፀፅታን ውሕስና ምግቢን ቀንዲ ዓውዲታት ምትሕብባር ሃገሮምን ኣህጉር ኣፍሪካ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.