Fana: At a Speed of Life!

ምእመናን ዓመታዊ በዓል ግሸን ደብረ ከርቤ ንምኽባር ናብቲ ቦታ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ተዛዚሞም ምእመናን ዓመታዊ በዓል ግሸን ደብረ ከርቤ ንምኽባር ናብቲ ቦታ እናኣትዉ ከምዝኾኑ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ወሎ ገሊፁ።

እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም እናተገበረ ዝፀንሐ ቅድመ ምድላው ተዛዚሙ ምእመን ናብቲ ገዳም እናኣተወ ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ መምርሒ ኮማንደር እርገጤ ጌታሁን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

እቲ በዓል ሰላማዊ ኮይኑ ንኸሓልፍ ኣብቲ ቦታ  እኹል ሓይሊ ፀፅታ ተመዲቡ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ካብ ሰሜን ሸዋ ጀሚሩ ክሳብ ከሚሴ፣ ካብ ኮምቦልቻ፣ ደሴ፣ ተለያየን ከምኡ እውን ክሳብ ግሸን ዝዘልቕ ኮማንድ ፖስት ተመዲቡ ጥቡቕ ቁፅፅር እናተገበረ ይርከብ ኢሎም።

ሸሊኾም ዝኣትዉ ንምክልኻል ስራሕቲ ፓትሮል ካብ ምስርሑ ብተወሳኺ እቲ በዓል ክሳብ ዝኽበር ኣብቲ ቦታ ጥቡቕ ዝኾነ መፈተሸ ኬላ እናተገበረ ይርከብ ተባሂሉ።

ብከድር መሓመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.