Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ቡን ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ማሪያና ሴሬቲ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ማእኸል መሰልጠኒ ቡን ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡ እውን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ሓዊሱ ካብ ሚኒስቴር ሕርሻን ካልኦት ትካላትን ዝተረኸቡ ኣጋይሽ ተሳቲፎም።

ኣብ ቀፅሪ እቲ በዓል መዚ ዝተሃነፀ ዘፈር ፍርያት ቡን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክወስድ ኢዩ ተናሂሉ ዝተኣመነሉ እቲ ማእኸል መሰልጠኒ፥ ብሓገዝ መንግስቲ ጣሊያንን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪን ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

ብምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ማሪያና ሴሬቲ፥ ህንፀት እቲ ማእኸል ዝግበር ምትሕብባር ልምዓት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ብግደኦም፥ እቲ ማእኸል ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሕፅረት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምስልጣንን ብምብቃዕን ዘፈር ቡን ከምዘመሓይሽ ገሊፆም፡፡

እቲ ማእኸል ምስ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት፣ ኣብ ዘፈር ምርምር ቡን ምስ ዝሰርሓ ዝተፈላለያ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ምሕባሮም ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.