Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣይተ ደመቀ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ኢግናዚኦ ካሲስ ተዛቲዮም።

ትኹረት እቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ዘድሃበ ከምዝነበረ ድማ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለውወን ማዕቐፋት ምትሕብባር ትኹረት ብምግባር ንምስራሕ ዘኽእል ልዝብ ከምዝገበሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ዘተ ጎድኒ ንጎድኒ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ጄኒቫ ይሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፎረም ስደተኛታት ዝተኻየደ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡኽ መነግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዓለም ለኻዊ ፎረም ስደተኛታት ንምስታፍ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ስዊዘርላንድ ምምርሑ ይዝከር።

ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ፎረም ምስ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛቲዮም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.