Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ ምስ ቦሪስ ጆንሰን ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ተዛትዮም።
 
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፥ ጎድና ጎድኒ ኣብ ለንደን እናተሳለጠ ዝርከብ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ-ብታኒያ ኢዮም ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተራኺቦም ዝተዛተዩ።
 
እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂቦም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምትሕብባር ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ተስማዕሚዖም።
 
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቤኪንግሃም ኣብዝተገበረ እንግዶት ድራር ምስ ልኡል ዊልያም ተራኺቦም ተመሳሳሊ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም።
 
ልኡል ዊልያም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ድሌት ከምዘለዎም ዝገለፁ እንትኾን፥ ኣይተ ደመቀ እውን እቶም ልኡል ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኸገብሩ እንግዶት ገይሮምሎም ኢዮም።
 
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ ትማሊ እውን ምስ ኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ልምዓት እንግሊዝ ኣሎክ ሻርማ ምዝታዮም ይዝከር።
 
እቲ ዘተ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ሕርሻ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሓለዋ ከባቢን ዘድሃበ ከምዝነበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.