Fana: At a Speed of Life!

ምጥንኻር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ምንቅስቓስ ንግዲ እዛ ሃገር ዘቀላጥፍ ኢዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥንኻር ማሕበር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ምንቅስቓስ ንግዲ እዛ ሃገር ዘቀላጥፍ ኢዩ ክብሉ ሚኒሰትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ኣመራርሓ ቦርድ እቲ ማሕበር  ናይ ምኽኽር መድረኽ ኣብ ዝተጀመረሉ መደረ ዘስምዑ አይተ ኣህመድ ሽዴ፥ እቲ ማሕበር ናይ ክልቲኤን ሃገራት ምንቅስቃስ ንግዲ ከምዘቀላጥፍ ሓቢሮም።

ነዚ ስራሕ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል  ብዝተናበበ መገዲ ምስራሕ ከምዘድሊ ድማ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ፥ ብፍላይ ብምንፅር ሰላምን ፀፅታን እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ክጠናኸሩ ከምዘለዎም ሓቢሮም ፡፡

አብቲ መድረኽ ናይቲ ትካል ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝተገምገመ እትኸውን፥ ኣብ ኣቕርቦት  ሓይሊ፣ ኣወዳድባ ፀፅታ ጠመተ ዝገበሩ ዛዕባታት ተዳህሲሶም።

ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተወካሉ ኣባላት ቦርድን ሓለፍቲ ዘፈር ፀፅታን ህንፀት ስራሕቲ ባቡት ትራንስፖርት ዝበፅሓሉ ብርክን  ህንፀት ደረቕ ወደብ  ከተማ ድሬዳዋ ነፃ ናይ ንግዲ ቀጠናን  ዑደት ክገብሩ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.