Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ክሲ መስሪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ሩሲያ ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ጥቓ ሞስኮ ከተማ ክሮከስ ናይ ኮንሰርት ኣዳራሽ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ክሲ መስሪቱ።

ተጠርጠርቲ ዳሌርዦን ሚርዞዬቭ፣ ሳይዳክራሚ ሙሮዳሊ፣ ሻምሲዲን ፋሪዱኒን ሙሓመድ ሶቢር ፋይዞቭን ዝተብሃሉ እንትኾኑ÷ ቤት ፍርዲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀ ሰባት ተግባር ግብረ ራዕዲ ብምፍፃም ክሲ ከምዝተመስረተሎም ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት ዜግነት ታጃኪስታንን ሩሲያን ከምዘለዎም ዝገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ÷ ቅድሚ ፍርዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 22 ሰነ ኣብ ማእሰርቲ ንከምዝፀንሑ ገሊፁ፡፡

ኣብ ጥቓ ሞስኮ ከተማ ክሮከስ ናይ ኮንሰርት ኣዳራሽ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ሩሲያውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

ምስቲ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ተተሓሒዙ ኣይኤስኣይኤስ (ISIS) ዝተባህለ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሓላፊነቱ ይውሰድ እምበር÷ ሰብ መዚ ሩሲያ ግን ናይ ዩክሬን ኢድ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ኣቐባሊ ቃል ክሬምሊን ዲሜትሪ ፔስኮቭ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ መጥቃዕቲ ዘብፅሑ ኣካላት ብዩንኬን እናተሓገዙ ከምዝነበረን እቶም ግብረ ራዕዳውያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃም ዶብ ኣቋሪፆም ናብ ዩክሬን ክኣትዉ ሽፋን እናሃበት ከምዝነበረት ተዛሪቦም፡፡

ዩክሬን ብግደኣ÷ “ልዕሊ 100 ሺሕ ወታደራት ሩሲያ ኣብ ዝሰፈሩሉን ብብዙሓት ፈንጂታት ዝተሓፀረን ዶብ እቶም ግብረ ራዕዳውያን ናብ ዩክሬን ክሓልፉ ነይሮም ምባል ዘይረብሕ ክሲ ኢዩ” ክትብል ምንፃጋ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.